Now That I'm a Christian: What It Means to Follow Jesus
- faithseekingdeepun
- Apr 12
- 6 min read
Updated: 5 days ago
by Michael Patton
እዛ መጽሓፍ ብሚካኤል ፓተን እተጻሕፈት ኮይና: ብሓፈሻ ከም ሰዓብቲ/ተማሃሮ (ደቀ-መዝሙር) ክርስቶስ: እንታይ ክንምሃር ኣለና: ብኸመይከ ክንመላለስ ኣለና እተርኢ መጽሓፍ እያ።
ጸሓፋይ ኣብ መእተዊ ዕላማ መጽሓፊኡ: ብክርስቶስ ህይወት ምስ ረኸብና: ድሕሪኡ ከም ደቀ-መዝሙር ክርስቶስ እንታይ ክንገብር ኣለና ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከም ዝጽሓፈ ድሕሪ ምግላጽ: ወደ-መዝሙር ምዃን ናይ ህይወት-ልክዕ ልምምድ ወይ ኣካይዳ እንበር ናይ ሓጺር ግዜ ልምምድ ከም ዘይኮነ ኣረዲኡ (ገጽ 10)። ቀጺሉ ጸሓፍይ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ምምሃር ወይ ምጽናዕ እቲ ዘለካ ቅንኣት ንኣምላኽ ከም ዝወስድ ገይሮም ከም ዝርእይዎ: እዚ ግን ሓቂ ከም ዘይኮነ: ብኣንጻሩ ግና ንዝኾነ ብቕንኣት ብፍቕሪ እትርእዮ ኣርእስቲ ይኹን ዛዕባ: ብዛዕብኡ ኣዚኻ ንኽትፈልጥን ከተጽንዕን እቲ ዘለካ ቅንኣትን ፍቕርን ከም ዝደፍኣካ ገሊጹ። እዚ ማለት ክኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ዝኸውን ቅንኣትን ፍቕርን እንተለና ብዛዕብኡን ንእኡን ክንፈልጥ ከም ዝደፍኣና: ወይ ክደፍኣና ከም ዘለዎ ገሊጹ (ገጽ 11)።
ቀጺሉ ጸሓፍይ ነዛ መጽሓፉ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ኣርእስትታት ከም ዝኸፈላ ብምሕባር: ካብ ምዕራፍ ሓደ- ክሳብ ምዕራፍ ሓሙሽተ ብዛዕባ ክንፈልጦን ክንርድኦን ዘለና ቅኑዕ ትምህርቲ (Orthodoxy): ካብ ምዕራፍ 6- ክሳብ ምዕራፍ 10 ኽኣ ቅኑዕ ምምልላስ: ወይ ብኸመይ ክንመላለስ ኣለና (Orthopraxy) ብዝብል ከም ዝኸፈላ ሓቢሩ።
ቅኑዕ ትምህርቲ
ምዕራፍ 1 መጽሓፍ ቅዱስ:
ጸሓፋይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና እቲ ናይ መወዳእታ ብዓል ስልጣን: ዘይሓልፍ: ዘይጋገ መጽሓፍ ምዃኑ ገሊጹ። መጽሓፍ ቅዱስ ብ66 መጻሕፍቲ ዝቖመ መጽሓፍ ኮይኑ: እተፈላለዩ ቅዲ-ጽሑፍት (genres): ከም እኒ ታሪኽ: ግጥሚ: ውልቃዊ መልእኽትታት: ሓባራዊ መልእኽትታትን ካልእን ዝሓዘ መጽሓፍ ምዃኑ ገሊጹ። ቀጺሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ኪዳናት ማለት ብሉይ ኪዳንን: ሓድሽ ኪዳን ከም ዝምቀል: ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ንፍጥረት ብኸመይ ከም ዝፈጠሮ: ሰብ ድማ ኣብ ሓጥያት ብኸመይ ከም ዝወደቐ: ናይ ኣምላኽ ተስፍ ብኸመይ ንውደቀት ሰብ ከም ዝመልሶ ዝነግር ክፍሊ ምዃኑ ገሊጹ። ሓድሽ ኪዳን ክኣ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን እተዋህበ ተስፍ ብኸመይ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም እተፈጸመ ዝነግርን: ንሰባት ውን ብኸመይ ክመላለሱ ከም ዘለዎም ዝነግር ክፍሊ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ምዕራፍ 2 ሰብ:
ጸሓፍይ ሰብ እቲ እንኮ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ እተፈጥረ ፍጥረት ምዃኑ: ጽቡቕ ፍጥረት ኣምላኽ ምዃኑ ውን ገሊጹ። ከምዚ ኢሉ ከሎ ግና: ንኣምላኽ ስለ ዘይትኣዘዘ: ካብቲ ኣምላኽ መዲብሉ ዝነበረ መደብን ካብቲ ኣምላኽ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ቦታን ከም ዝወደቐ ገሊጹ። ብዘይምእዛዙ ኽኣ ሓጥያት ከም ዝገበረን ሓጥያተኛ ከም ዝኾነን ገሊጹ። ብምቕጻል ኣምላኽ ካብ ፍቕሩ እተላዕለ ኣብ ውድቀቱ ክገድፎ ስለ ዘይደለየ ኽኣ ናይ ምድሓን ተስፋ ከም ዝኣተወሉ ገሊጹ።
ምዕራፍ 3 ኣምላኽ:
ጸሓፍይ ኣምላኽ ኣዝዩ ዘይብጻሕን ዓብይን እዩ ኢሉ። ካብዚ እተላዕለ ደቅ-ሰባት ብባዕልና ክንበጽሖ ዘይንኽእል ምዃንና ኽኣ ገሊጹ። እቲ እንኮ መገዲ ንኣምላኽ ንፈልጠሉ ርእሱ ባዕሉ ክገልጸልና ስለ ዝፈተወ ጥራይ እዩ። እዚ ምፍላጥ ንኣምላኽ ብሓቂ ንፈልጠሉ: ግን ክኣ ንኣምላኽ ብምልኣት እንፈልጠሉ ፍልጠት ኣይኮነን (While we cannot come to know God fully, we can come to know him truly.)። ቀጺሉ ባህርያት ኣምላኽ ኣብ ክልተ ከም ዝኽፈሉ: ንሳቶም ክኣ ንኣምላኽ ኣምላኽ ዘብልዎ ባህርያትን (Essential attributes of God): ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ዘርእዮም ባህርያትን (Non essential attributes of God) እዮም። ቀጺሉ ኣምላኽ ስሉስ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ትምህርቲ ስላሴ ክግለጽ ከሎ ኽኣ: ሓደ ኣምላኽ ካብ ዘልኣለም ኣብ ሰለስተ ኣካላት ዝነብር: እዞም ሰለስተ ኣካላት ክኣ ብምልኣት ኣምላኽ ከም ዝኾኑ: ሰለስቲኦም ክኣ ማዕረ ከም ዝኾኑ ማለት እዩ (The doctrine of the Trinity states we believe in one God who eternally exists in three persons, all of whom are fully God, all of whom are equal.)። ብምቕጻል ነዚ ትምህርቲ ስላሴ ዘይቅበሉ እምነታት ውን ኩሎም ናይ ስሕተት እምነታት ምዃኖም: ከም ክርስትያናት ውን ክንርእዮም ከም ዘይንኽእል ገሊጹ። ቀጺሉ ኣብ ትምህርቲ ስላሴ ዘሎ ጌጋታትን: ንስላሴ ንምርዳእ እንጥቀመሎም ጌጋ ኣብነታትን ውን ጠቒሱ።
ምዕራፍ 4 ክርስቶስ:
ጸሓፍይ እቲ ክርስቶስ ዝሓተቶ ሕቶ ‘ንስኻትኩም ከ መን ትብሉኒ’ ዝብል ሕቶ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ክንምልሶም ዘለና ሕቶታት ሓደ ምዃኑ ገሊጹ።
ብምቕጻል ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ ነጊሩ: ክርስቶስ ወዲ-ኣምላኽ ከም እተባህለ: እዚ ኽኣ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘለዎ ፍሉይ ዝምድና ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ማለት ግን ከምቲ ኣብ ደቂ-ሰባት ንርእዮ ኣቦ ንውልዱ ዝወልዶ ማለት ከም ዘይኮነ ክርድኣና ይግባእ። እቲ ክርስቶስ ዝብል ምዓርግ ምስቲ ኣብ እብራይስጥ ‘Messiah (መድሓኒ)’ ዝብል ቃል ማዕረ ምዃኑ: ስለዚ ኽኣ እቲ ክርስቶስ ዝብል ስም መድሓኒ ምዃኑ እዩ ዝነግር ማለት። ክርስቶስ ውን ፍጹም ሰብ ምዃኑ ገሊጹ። ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ: ብኸመይ እዚ ክልተ ባህሪ ኣብ ሓደ ኣካል ይቐውም ገሊጹ። ነዚ ንምግላጽ ዝመጽእ ጌጋ ናይ ስሕተት ትምህርትታት ውን በብሓደ ገሊጹ።
ምዕራፍ 5 እምነት:
ጸሓፍይ እምነት ኣብ ብዙሕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓሳብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ: ኣምላኽ ውን እምነት ካባና ይደሊ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ወንጌል የውሃንስ ምእማን ዝብል ሓሳብ ብብዝሒ ካብ ዝኾነ ካልእ መጽሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንረኽቦ ነጊሩ: እዚ ዘርእየና ኽኣ: ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለና ዝምድና እምነት ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ቀጺሉ ኣምላኽ ስለምንታይ ብዛዕባ ናትና እምነት የገድሶ ንዝብል ሕቶ ብምድህሳስ: ኣርባዕተ ዓይነታት እምነት ከም ዘሎ ገሊጹ: ንሳተን ክኣ: ብዕሙትካ እትኣምኖ እምነት: ብዘይ ምኽንያት ወይ ጭብጢ እትኣምኖ እምነት: ብምኽንያት እትኣምኖ እምነት: መጽሓፍ ቅዱሳዊት እምነት ኢሉ ከፊልዎ። እታ መጽሓፍ ቅዱሳዊት እምነት ክኣ ካብ ኩለን ፍልይ እትብል እምነት እያ። ምድሓን ብእምነት ጥራይ ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጹ። ብምቕጻል ብዛዕባ እምነትን ምጥርጣርን (doubt) ዝብል ሓሳብ ገሊጹ። ምጥርጣር ምስ ዘይምእማን ሓደ ከም ዘይኮነ: ብባዕሉ ምጥርጣር ድማ ሕማቕ ከም ዘይኮነ ውን ገሊጹ።
ቅኑዕ ምምልላስ/ ቅኑዕ ቅዲ ህይወት
ምዕራፍ 6 ጸሎት:
ጸሓፍይ ኣምላኽ ምስኡ ክንዛረብን ዝምድና ክህልወናን እዩ ፈጢሩና ኢሉ። እዚ ማለት ግን ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ስለ ዝጸመዎ: ወይ ዝሰልቸዎ: ወይ ውን ናትና ደገፍ ስለ ዘድለዮ ኣይኮነን ፈጢሩና። እዚ እነምልኾ ኣምላኽ ስሉስ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ: ካብ ዘልኣለም ጀሚሩ ሕብረት ኣብ መንጎ እግዚኣብሄር ኣብ: እግዚኣብሄር ወልድ: እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከም ዝነበሮ ገሊጹ። ኣምላኽ ምስኡ ዝምድናን ሕብረትን ክህልወና እሞ ምስኡ ኽኣ ክንዘራረብ ስለ ዝፈጠረና: ምጽላይ ሓደ ካብቲ እተፈጠርናሉ ዓላማ እዩ። ካብዚ እተላዕለ ኽኣ ጸሎት ከም ግቡእና ጥራይ ዘይኮነስ: ከም ዓቢ ዕጻ ክንርእዮ ይግብኣና። ብምቕጻል ጸሎት ማለት ንኣምላኽ ምዝራብ ምዃኑ ገሊጹ። ከመይ ኢልና ክንጽሊ ከም ዝግብኣና ውን ካብቲ የሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ ዘርኣዮም (ማቴ 6:9-13) ክንምሃር ኣለና ኢሉ።
ምዕራፍ 7 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ:
ጸሓፍይ ክርስትያናት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ጌሮም ይኣምንዎ: በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ተጠንቂቕና ብቕንዕና ክንመቕሎ ዘለና። እዚ ኮይኑ እቲ ሓቂ: መጽሓፍ ቅዱስ ብትኽክል ክንመቕሎ ግን ቀሊል ኣይኮነን። ብምቕጻል 8 ናብ ጌጋ ኣማቓቕላ ክወስዱና ዝኽእሉ ቅድታት ድሕሪ ምዝርዛር: እቲ ብቕኑዕ ንኽንመቅል ክሕግዘና ዝኽእል ቅዲ ኢሉ ኽኣ ብንጹር ገሊጹ። እዚ ቅኑዕ ቅዲ ኽኣ ነዚ ይመስል:
ቀዳማይ: ነቶም ቀዳሞት ሰማዕቱ እንታይ ይርድኦም ኔሩ፣
ብኻልኣይ: ንኹሉ ሰብ ኣብ እተፈላለየ ግዜን ቦታን ዝነበሩን ዘለውን ከ እንታይ ርድኦም፣
ብሳልሳይ: ኣብ ግዜና ኸ ብኸመይ ክንነብሮ ንኽእል፣
ምዕራፍ 8 ማሕበር ኣምላኽ:
ጸሓፍይ ንክርስቶስ ምስ ኣመንና: ውሉድ ኣምላኽ ንኸውን: ብእኡ ምኽንያት ክኣ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብጎይታ ንረክብ ይብል። እዚ ሓድሽ ስድራ ቤት ንረኽቦ ኽኣ ማሕበር ኣምላኽ ኢልና ንጽውዖ: ወይ ክኣ ኣካል ክርስቶስ ንብሎ። እዚ ኣካል ክርስቶስ ዝብል ሽም ክኣ: ክርስቶስ ርእሲ ንሕና ኽኣ ኣካል ምዃንና የርኢ። ክርስቶስ ክኣ ዝገብሮ ነገር ኣብ ምድሪ በዛ ኣካሉ ጌሩ ይገብር።
ማሕበር ኣምላኽ ክንብል ከለና ብዛዕባ ህንጻ ዘይኮነስ: ብዛዕባ እቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኢና እንዛረብ ዘለና ይብል። ንማሕበር ኣምላኽ ኣብ ክልተ ክንከፍላ ንኽእል: እትርአ ማሕበር ኣምላኽን (The Visible Church): ዘይትርአ ማሕበር ኣምላኽን (The Invisible Church)። ብምቕጻል ስለምንታይ ንዓና በብውልቅና እዚ ስድራ ቤት ኣምላኽ ኣገዳሲ ይኸውን ኢሉ ሓቲቱ: ከም ሓደ ኣካል ንሓድሕድና ስለ ንደላለ እዩ ኢሉ ድማ ቃል ኣምላኽ ኣሰንዮ መልሲ ሂቡ። ልዕሊ 50 ዝኸውን ብዛዕባ ንሓድሕድኩም ብዝብል ክንገብሮ ዝግብኣና ዝነግር ጥቕስታት ከም ዘሎ ብምዝካር: ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ክንህሉ ብግዲ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ምዕራፍ 9 መከራ:
ጸሓፍይ ከም ክርስትያናት መከራ ኣብዛ ምድሪ ሓደ ካብቶም ከነወግዶም ዘይንኽእል ኣብ ህይወትና ዝገጥመና ነገር እዩ ይብል። ክርስትያናት ስለ ዝኾንና ጥራይ: መከራ ኣይረኽበናን እዩ ኢልና ምሕሳብ ውን ኣዝዩ እተጋገየ ርድኢት እዩ። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ዝኾነና ኽኣ: ህይወት ናይቶም ሃዋርያት ክርስቶስ ዝነበሩ ብምርኣይ ክንምሃር ንኽእል።
መከራ ወይ ክፉእ ዘበለ ንዝገጥመና ኣብ ክልተ ክንፍሎም ከም ንኽእል ነጊሩ። ንሳቶም ክኣ ናይ ስነ ኣእምሮ ብድሆን(The Intellectual Problem Of Evil): ናይ ስምዒት ብድሆን (The Emotional Problem Of Evil)። ብምቕጻል ነዚ ብድሆ ብጌጋ ክንፈትሓሉ/ክንርእየሉ ንኽእል ርድኢታትን: ከም ክርስትያናት ከ ብኸመይ ክንርእዮ ኣለና ንዝብል ሕቶ መሊሱ።
ምዕራፍ 10 ተልእኾ:
ጸሓፍይ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ: ብዛዕባ ወንጌል ምንጋርን ምስፍሕን ኣተኪሩ ጽሒፉ። ኣብዛ ምድሪ ንሓጺር እዋን ከም ዘለና: ኣምላኽ ክኣ ወንጌል ንኸነስፍሕ ከም ዝኣዘዘናን ዝልኣኸናን ኣዘኪሩ። መሰረት ናይ ተልእኾና: ትእዛዝ ክርስቶስ ኣብ ማቴ 28:18-20 ንረኽቦ ኮይኑ: ነዚ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘሎ ሓሳብ ብኸመይ መሰረትን ምኽንያትን ይኾነና ኽኣ ተንቲኑ። እንታይ እዩ ትሕዝቶ ናይቲ እንሰብኮ ወንጌል ኣስፊሑ ብምግላጽ ክኣ ነዛ ምዕራፍ ዛዚሙ።
መደምደምታ: ጸሓፍይ ኣብ መደምደምታ እዚ ኣብ 10 ምዕራፍት ዝርኣናዮ ኣርእስትታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እኳ እንተ-ኾነ: መጀመርታ ወይ መበገሲ ድኣ እንበር: መወዳእታ ከም ዘይኮነ ገሊጹ። ቀጺሉ ኣምላኽ ኣዝዩ ዓብዩ: ብምልኣት ውን ፈጺምካ ስለ ዘይብጻሕን ዝተረፈ ኩሉ ዘመን ህይወትና ንኣምላኽ ኣብ ምድላይን ምጽናዕን ከነሕልፎ ተማሕጺኑ። እዚ ዓይነት ህይወት ግን ናብ ድርቅናን ትዕቢትን ከይወስደና: እንታይ ድኣስ ድኻም ሰባት እንርዳእ: ትሑታት: ንሰባት ክኣ ምሕረት እንገብር ክገብረና ከም ዘለዎ ነጊሩ።
*ሓፈሻዊ ግምጋመ እዛ መጽሓፍ:
እዛ መጽሓፍ ነቲ መሰረታዊ ክንምሃሮን ክንፈልጦን ዘለና ትምህርትን: ከም ደቀ-መዝሙር ናይ የሱስ ድማ ክንነብሮ ዝግብኣና ህይወትን ንምርዳእ ኣዝያ ሓጋዚት እያ። ምናልባት ኣብታ ብዛዕባ ማሕበር ኣምላኽ ዝጽሓፈላ ምዕራፍ (ምዕራፍ 8): ብዛዕባ ኣገዳስነት ኣባልነት ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ኣዕሚቑን ኣስፊሑን እንተ-ዝጽሕፍ ኣዝዩ ጽቡቕ ምኾነ።
ካብቲ ኣዝዩ ጠቓሚ ክፍሊ ናይዛ መጽሓፍ: ነቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና: ከም እኒ ትምህርቲ ስላሴ: ብዛዕባ መንነት ክርስቶስን: ብዛዕባ ሰብ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእን ብንጹር ሓሳብ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ ምህላዋ እዩ። ብመንጽሩ ድማ ነቲ ነዚ ቅኑዕ ትምህርቲ ዝጻረር ናይ ስሕተት ትምህርትታት: እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣብ ገጻታ ኣስፊራ ኣላ። ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍስ ወከፍ ምዕራፍ: መዘራረቢ ሕቶታትን: ነቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣርእስትታት ብዕምቆት ከጽንዕ ንዝደሊ ዝሕግዝ መወከሲ ውን ቀሪቡ ስለ ዘሎ: ኣብ ማሕበራትና: ወይ ውን በብጉጅለ ኣብ እንገብሮ ምዝርራብ: ወይ ውን ምጽናዕ: ከም መዛራረብን መጽንዕን መጽሓፍ ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና።
እዛ መጽሓፍ ኣዝዩ ብሉጽ እሞ መሰረታዊ ትምህርቲ ስለ ዘለዋ: እሞ ኽኣ ብንጹርን: ንኽትነቦ ብዘይ ከብድን ኣግባብ ስለ እተጻሕፈት: እቶም ኣብ ህይወት ክርስትና ንውሕ ንዝበለ እዋን ጸኒሕና ዘለና: ነዛ መጽሓፍ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተምሃርናዮ ትምህርቲ ንምንጽጻርን: ቅርጺ ብዘለዎ ኣገባብ ነዞም መሰረታዊ ኣርእስትታት ንምጽናዕን ገዚእና ክንጥቀመላ: ነቶም ሓደሽቲ ክርስትያናት ድማ ከም መምሃርን መወከስን ክንጥቀመላ መእታን ገዚእና ክንነባ የትሓሳስብን የተባብዕን።
Comments